ሩስያ ክሬሚያ ከምዘይትምልሳ ኣፍሊጣ…

መቐለ ለካቲት 08/2009(ድወት) ሩሲያ ክሬሚያ ናብ ዝነበረቶ ትመለስ ዝብል ኽሲ ኣሜሪካ ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ።

ኣብዚ ጉዳይ ምስ ኣሜሪካ ሓዊሱ ምስ ዝኾነ ኣካል ከምዘይትዛተ’ውን ገሊፃ።

ክሬሚያ ግዝኣት ሩሲያ እያ፣ ሩሲያ ግዝኣታ ኣሕሊፋ ኣይትህብን ክብላ ድማ ወሃቢት ቃል ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ሩሲያ ማሪያ ዛክሃሮቫ ገሊፀን።

እተን ወይዘሮ ነዚ ዝገለፃ ኣሜሪካ ሩሲያ ክሬሚያ ናብ ነባር ትሕዝቶኣ ናብ ዩክሬይን ክትምልሳ ኣለዋ ምባላ ስዒቡ’ዩ።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ቅልውላው ዝፍታሕ ሩሲያ ክሬሚያ ናብ ግዝኣት ዩክሬይን እንተመሊሳታ ጥራሕ’ዩ ክብሉ ተዛሪቦም’ዮም።

ክሬሚያ ትሕዝቶ ፌደሬሽን ሩሲያ እያ ንመልሶ ነገር የለን ክብላ ድማ እተን ወሃቢት ቃል መርገፂ ሃገረን ኣፍሊጠን።

ክሬሚያ ኣብ 2014ዓ.ም.ፈረንጂ ብዝተኻየደ ህዝበ ውሳነ ናብ ሩሲያ ከምዝተፀምበረት ዝዝከር’ዩ።