ልዕሊ 617ሽሕ ሄክታር መሬት ብስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ተሸፊኑ

መቐለ ለካቲት 08/2009(ድወት) ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ዝተጀመረ ልምዓት ተፋሰስ ልዕሊ 617ሽሕ ሄክታር መሬት ብስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ከምዝተሸፈነ ሚኒስቴር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ገሊፁ፡፡

ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮን ልምዓት ተፋሰስን ትኹረት ተዋሂቡ ምስራሕ ካብ ዝተጀመረሎም ዓመታት ናብዚ ዝተጎድኡ ኸባብታት ዝሓወይሉን ሓረስቶትን ኣርባሕቲ እንስሳን ተጠቀምቲ ዝኾኑሉ ዕድል ከምዝተፈጠረን ይግለፅ፡፡

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣጋጢሙ ዝነበረ ሓደጋ ድርቂ ንምፅዋር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝተወገኑ ስራሕቲ ሓለዋ ሓመድን ማይን ዓብዩ ግደ ከምዝነበሮም ተገሊፁ፡፡

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሚኒስቴር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣይተ ኣለማየሁ ብርሃኑ ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ ሓረስቶትን ኣርባሕቲ እንስሳን ኣብ ዙርያ እዞም ስራሕቲ ዘለዎም ግንዛበ እናዓበየ መፂኡ እዩ፡፡

ኣብዚ ዓመት ብደረጃ ሃገር 6ሽሕን 700ን ሄክታር መሬት ብስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ንምሽፋን ትልሚ ዝተትሓዘ ኾይኑ ልዕሊ 25 ሚልዮን ሓይሊ ሰብ ክሳተፍን ካብዚኦም ንልዕሊ 11 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ኦሮሚያ፣ትግራይ፣ደቡብን ሃረርን ማሕበረሰብ ዘሳተፈ ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ከምዝተጀመሩ ገሊፆም እቶም ሓላፊ፡፡

ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ልምዓት ተፋሰስን 1.1 ሚልዮን ሄክታር መሬት ኾይኑ ኣብ ልዕሊ 617ሽሕ ሄክታር ሓደሽቲ ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ሓቢሮም፡፡