ህንዲ 104 ሳተላይታት ኣሓምቢባ

መቐለ ለካቲት 08/2009(ድወት) ህንዲ 104 ሳተላይታት ዕውት ብዝኾነ መንገዲ ናብ ህዋ ልኢኻ፡፡

እቲ ቅድም ክብል ሩሲያ ኣብ 2014 ዝልኣኸተን 37 ሳተላይታት ስዒቡ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን ከምዝመንዘዐ ቢቢሲ ገሊፁ፡፡

መብዛሕትኦም ማለት’ውን እቶም 96 ካብ ኣሜሪካ ከምዘሓምበበቶም ዝገለፀ ፀብፃብ ቢቢሲ እቶም ዝተረፉ ካብ ሃገራት እስራኤል፣ ካዛኪስታን፣ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ፣ስዊዘርላንድን ኔዘርላንድን ከምዝኾነ ይገልፅ፡፡

እቶም ሳተላይታት ዝለዓለ ፅሬት ዘለዎም ምስልታት ንምልዓል ከምዝጠቕሙን ኣብ ካባቢያዊ ሃገራት ፓኪስታንን ቻይናን ዝካየዱ ምንቅስቃሳት ንምክትታል ከምዝውዕሉ ተዓዘብቲ ይገልፁ፡፡