ዓቢ ጉያ ደቂ ኣንስትዮ ክካየድ እዩ…

መቐለ ለካቲት 06/2009(ድወት) ካብ መሸጣ ቦንድን ዓቢ ጉያን ደቂ ኣንስትዮ ንህንፀት ዓቢ ግድብ ህዳሰ 50ሚልዮን ቅርሺ ክእከብ ትልሚ ተታሒዙ።

“ምዕባይ ባህሊ ምዕቋር ደቂ ኣንስትዮ መሰረት ዓወት ህዳሰን ሕብረተሰብን እዩ” ብዝብል መሪሕ ቃል በዓል ደቂ ኣንስትዮ ማርች 8 ብፍላይ ድምቀት ንምኽባር ምድላዋት ከምዝወገኑ’ውን ተገሊፁ።

ኮሚቴ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበር ደቂ ኣንስትዮን ትግራይ ኣከባብራ በዓል ማርች 8 ቐንዲ ዕላማታቱን ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ።

ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ክልል ትግራይ ዶክተር የትምወርቅ ገብረመስቀል ኣብዚ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዝሓበርኦ።

እዚ ሎሚ ዘበን ብደረጃ ሃገር ንመበል 41 ግዘ ብደረጃ ዓለም ንመበል 106 ግዘ ዝኽበር ማርች 8 ደቂ ኣንስትዮ ባህሊ ምዕቋር ከዕብያ ዓበይቲ ምልዕዓላት ዝካየደሉ ኣብ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ዘለወን ተሳትፎ ኣጠናኺረን ዝቕፅላሉን ኣብ ፅሬትን ፅባቐን ከባቢኣን እጃመን ሓፍ ዘብላሉን በዓል ክኸውን እዩ።

ኣብዚ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ግንዛበኣን ዘዕብያሉ ተሞክሮኣን ንኻልኦት ዘካፍላሉን መድረኽ እውን ከምዝተዳለወ ዶክተር የትምወርቅ ይገልፃ።

ኣዶ መንበር ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወይዘሮ ዘነበች ፍስሃ ብወገነን እዛ ብታሪኻዊት ዕለት 11 ለካቲት ተዓጂባ እትኽበር መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ - ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልምዓት ሃገርን ቐንዲ ተሳተፍትን ተጠቀምትን ክኾና ፍሉይ ትርጉም ኣለዋ ኢለን። ወይዘሮ ዘነበች ወሲኸን ድማ ኣብዚ በዓል ግዜ የብልናን ክንጎይ ኢና ንግድብና ክንዓቑር ኢና” ብዝብል መሪሕ ቃል ዓብይ ጉያ ደቂ ኣንስትዮ ብደረጃ ክልል ከምዝሰናዳእን ኣስታት 60ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ክሳተፋሉ ትፅቢት ከምዝግበር ኣመልኪተን።
ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህንፀት ዓቢ ግድብ ህዳሰ ልዑል ከምዝኾነ ዝገላፀ ወይዘሮ ዘነበች እዚ ሎሚ ዘበን ዝኽበር በዓል ደቂ ኣንስትዮ’ውን ተሳትፎኣን ዝያዳ ዘዕዝዛሉ ክኸውን ትፅቢት ይግበር ድሕሪ ምባል ካብ ዓቢ ጉያን ካብ 20 ክሳብ 29 ለካቲት ካብዝካየድ መሸጣ ቦንድን 50ሚልዮን ቅርሺ ንምርካብ ትልሚ ከምዘሎ ገሊፀን።