ውድብ ሕቡራት መንግስታት 1.6 ቢልዮን ዶላር ንደቡብ ሱዳን ሓቲቱ…

መቐለ ለካቲት 07/2009(ድወት) ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብውግእ ምኽንያት ፀገም ንዘጋጠማ ደቡብ ሱዳን 1.6 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘድሊ ኣፍሊጡ።

እቲ ገንዘብ ሓዳሽ ሃገር ደቡብ ሱዳን ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ሃገራ ብዝተኻየደ ውግእ ንዝተመዛበሉ ናብ 7.5ሚልዮን ዝፅግዑ ዜጋታት ሓገዝ ዝውዕል ከምዝኾነ ገሊፁ።

ብሰንኪ እቲ ውግእ ኹነታት ፀጥታ እታ ሃገር ካብ እዋን ናብ እዋን ይገድድ ከምዘሎ ድማ ሓላፊ መተሓባበሪ ሰብኣዊ ረዲኤት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ኢግኒ ኦውሱ ምግላፆም ወርልድ ቡሊተን ሓቢሩ።

ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ህፁፅ ሓገዝ ክገብር እውን ተማሕፂኖም።

ተዓዘብቲ ከምዝገለፅዎ ሰለስተ ዓመታት ዘቑፀረ ውግእ ሕድሕድ ደቡብ ሱዳን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ንዝቑፀረ ደቡብ ሱዳናውያን ዝቐተለ ኮይኑ ልዕሊ 2.4ሚልዮን ህዘቢ እታ ሃገር ክመዛበሉ እውን ገይሩ እዩ።