ሻምፒዬና ኣገር-ኣቋራጭ ሰንበት ክካየድ እዩ…

መቐለ ለካቲት 03/2009(ድወት) መበል 34 ሻምፒዬና ኣገር-ኣቋራጭ ጃንሜዳ ዝቕፅል ሰንበት ክካየድ እዩ።

እቲ ውድድር እዋናዊ ብቕዓት ኣትሌታት ንምምዛንን ልምዲ ንምልውዋጥ ዝሕግዝ እዩ።

ኣብቲ ውድድር ካብ ዝተፈላለያ ክለባት ዝመፁ ኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትሌታት ክሳተፍሉ እዮም።

ኣትሌታት ኬንያ፣ ጁቡቲ፣ ሱዳን፣ ዩጋንዳ፣ ታንዛንያን ደቡብ ኣፍሪካን ክሳተፉ ትፅቢት ይግበር።

ካብ 6 ክሳብ 10 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ዝሽፍን ጉያ ብኽልቲኡ ፆታ ክካየድ እዩ።

ኣብዚ ንዝተዓወቱ ብድምር 320ሽሕ ቅርሺ ሽልማት ተዳልዩ ኣሎ።

ከምኡ’ውን ኣብዚ ውድድር ዝተዓወቱ ኣትሌታት 17 መጋቢት ኣብ ካምፓላ ዩጋንዳ ኣብዝካየድ መበል 42 ውድድር ኣገር-ኣቋራጭ ክሳተፉ እዮም።