ዝቕባበ ዋጋ ወርሒ ጥሪ 6.1 ሚኢታዊ ኮይኑ

መቐለ ጥሪ 27/2009(ድወት) ዝቕባበ ዋጋ ወርሒ ጥሪ ናብ 6.1 ሚኢታዊ ከምዝነከየ ኤጀንሲ ማእኸላይ ስታስቲክስ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ዝነበረ ዝቕባበ ዋጋ 6.7 ሚኢታዊ ምንባሩ ድማ እቲ ኤጀንሲ ኣዘኻኺሩ፡፡

በዚ ድማ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተመዝገበ ዝቕባበ ዋጋ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ካብ ዝነበሮ ብ0.6 ሚኢታዊ ነክዩ ኣሎ፡፡

ዝቕባበ ዋጋ ምግቢ ተንከፍ ኣብ ዘይኾኑ ነገራት 7.4 ሚኢታዊ ምዃኑ ዝገለፀ እቲ ኤጀንሲ ኣብ ዘሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 8.2 ሚኢታዊ እዩ ነይሩ፡፡

ይኩን’ምበር ዝቕባበ ዋጋ ወርሒ ጥሪ እዚ ዓመት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ወሰኽ ከምዘርኣየ ተገሊፁ፡፡

ናይዚ ቐንዲ ምኽንያት ድማ ኣብ ዋጋ ጫት፣ኣልባሳት፣ዕንፀይቲ መጎጎ ነዳዲ፣ኣቅሑ ገዛን መማለኽዕታትን ወሰኽ ብምርኣዩ’ዩ፡፡

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ጥሪ ዝቕባበ ዋጋ ምግቢ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ካብ ዝነበሮ 5.3 ሚኢታዊ ናብ 5 ሚኢታዊ ነክዩ ኣሎ፡፡

መረዳእታ እቲ ኤጀንሲ ከምዝሓበሮ ኣብዚ ወርሒ ካብ ምግብታት ኣብ ዋጋ እኽልን ቅመማ ቅመምን ምንካይ እንተርኢ ኣብ ሽኮር፣ፍራምረ፣ዘይቲን ቅብኣት እኽልን ቡንን ውሱን ወሰኽ ኣርኢዩ ኣሎ፡፡