ኣብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ 1ሽሕ ኩንታል መዓር ተረኺቡ…

መቐለ ጥሪ 22/2009(ድወት)
ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ሎም ዘበን ካብ ልምዓት ንህቢ ኣስታት 1ሽሕ ኩንታል መዓር ተረኺቡ።

ኣብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 10ሽሕ ባህላውን ዘመናውን ቖፎታት ንህቢ ስርዓት ምርባሕ ይሳለጥ ዘሎ ኾይኑ ካብዚኦም እቶም 2008 ዘመናዊ ዝተረፉ 7ሽሕ 700 ድማ ባህላዊ ቖፎታት ንህቢ’ዮም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ሕርሻን ገጠርን እታ ወረዳ ኣይተ መሓሪ ገብረእግዝኣብሄር ከምዝገለፅዎ ካብቶም ቖፎታት ንህቢ ሎምዘበን እቶም 1ሽሕን 600 ዘመናውን 4ሽሕን 500ን ባህላዊ ቆፎታት ንህቢ ተበርቢሮም ኣለው።

ካብዚኦም ድማ ኣስታት 1ሽሕ ኩንታል መዓር ተረኺቡ ኣሎ።

ኣብቶም ዝሓለፉ 6ተ ኣዋርሕ ዝተረኸበ መዓር ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ብልዕሊ 200 ኩንታል ሓለፋ ዘለዎ ኾይኑ በቲ ዝተረኸበ መዓር ልዕሊ 1ሽሕን 200 ገባራት ተረባሐቲ ከምዝኾኑ እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።

ኣብቶም ዝቕፅሉ 6ተ ኣዋርሕ ተወሳኺ 3ሽሕን 700 ኩንታል መዓር ንምርካብ መደብ ተታሒዙ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ይግበር ከምዘሎ እቶም ሓላፊ ገሊፆም።