ቱኒዝያ ዓውደ ቱሪዝም እታ ሃገር ንምንቅቓሕ ትሰርሕ ኣላ

መቐለ 22 ሰነ 2012(ድወት) ዓውደ ቱሪዝም ቱኒዝያ ንምንቅቃሕ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዘሎ መንግስቲ እታ ሃገር ገሊፁ።

ኣብ ቑጠባ እታ ሃገር ዝለዓለ ብፅሒት ዘለዎ ዓውደ ቱሪዝም ቱኒዝያ ብምኽንያት ዓለምለኻዊ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣዐርዩ ከምዝተዳኸመ ይፍለጥ።

ልዕሊ 1ሽሕን 160 ብኮሮና ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ከምዘለዉዋ ዝገለፀት ቱኒዝያ ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ግና ከምዝነከየ ተሓቢሩ።

ብምኳኑ ቅድም ክብል ብምኽንያት እቲ ለበዳ ኩሎም ቦታታት ቱሪዝም ዝዓፀወት እታ ሃገር ሐዚ ብዘሎ ዝሓሸ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ምኽፋት ምጅማራ ድማ ኣልጀዚራ ኣመልኪቱ።

ብምህዋፅን ዝህወፁ ቦታታትን ኣብ ኣፍሪካ ዝሓሸ ካብ ዝበሃላ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ቱኒዝያ ሐዚ ድማ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ዓውዲ ንምንቅቓሕ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።