እንግሊዝ ሕክምናዊ ሓገዝ ዝህባ ሰብ ኣልባ ነፈርቲ ኣዋፊራ

መቐለ 22 ሰነ 2012(ድወት) እንግሊዝ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት እታ ሃገር ዘብፅሐ ሓደጋ ንምንካይ ሕክምናዊ ሓገዝ ዝህባ ሰብ ኣልባ ነፈርቲ ከምዘዋፈረት ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ብመሰረት ሐዚ ዝጀመረቶ ሕክምናዊ ሓገዝ ሰብ ኣልባ ነፈርቲ ድማ ኣብ ገማግም ደቡብ እንግሊዝ ውፅኢታዊ ተግባር ከምዝጀመራ ተሓቢሩ።

እቲ ሐዚ ዝተጀመረ ቐረብን ኣገልግሎትን ሕክምና ውፅኢታዊ ብምዃኑ ናብ መላእ ርሑቕ ከባቢታት እታ ሃገር ከምዝዝርጋሕ ድማ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

ብመንግስቲ እታ ሃገር ዝተሓንፀፀ እቲ ፕሮጀክት ብዋናነት ድማ እተን ነፈርቲ ንህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለወን ተሓቢሩ።