ብብርኪ ዓለም ቑፅሪ ብለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 10 ሚልዮን በፂሑ

መቐለ 21 ሰነ 2012(ድወት) ብብርኪ ዓለም ቑፅሪ ብሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 10 ሚልዮን ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ቢቢሲ ንሓበሬታ ዩንቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ብምፅራሕ ከምዝፀብፀቦ ከባቢ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሽሕ ሰባት ብሰንኪ እቲ ለበዳ ከምዝሞቱ ድማ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ኣሜሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተትሓዙ ተረጋጊፁ ኣሎ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እቲ ለበዳ ብሓዱሽ መልክዕ እናተላበደ ከምዘሎ ዘመላኸተ ፀብፃብ ሮይተርስ ብወገኑ ኣብ ሃገራት ህንድን ብራዚልን ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት በቲ ሕማም ይታሓዙ ምህልዎም ሓቢሩ ኣሎ።