ፈላማይ ዙርያ ፕረዝዳንታዊ መረፃ ፖላንድ ተጀሚሩ

መቐለ 21 ሰነ 2012(ድወት) ኣብ ፖላንድ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ተናዊሑ ዝፀንሐ ፕረዝዳንታዊ መረፃ ከምዝተጀመረ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ወዲ 48 ዓመት ፕረዝደንት ኣንድርዛጅ ዱዳ ንኻልኣይ ግዜ ኣብቲ ፕረዝዳንታዊ መረፃ ይናሓንሑ ከለምዘለዉ ድማ ሲጂቲኤን ፀብፂቡ።

ብሓፈሻ ዓሰርተ ተናሓናሕቲ ዝሳተፍሉ ዘለዉ ሎሚ ዝተጀመረ መረፃ ፖላንድ ብመሰረት ዝተኻየደ ግምት ቅድመ መረፃ ግና ከንቲባ ከተማ ዋርሳው ራፋኤል ትርዝስ ከውስኪ ልዑል ግምት ከምዝረኸቡ ተገሊፁ።

ኣብታ ሃገር ሐዚ ዝካየድ ዘሎ ፈላማይ ዙርያ ፕረዝዳንታዊ መረፃ ኣብ ዝቕፅል 12 ሓምለ 2020 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ድማ ኻልኣይ ዙር ፕረዝዳንታዊ መረፃ ከምዝካየድ ተገሊፁ።