ኣብ ማላዊ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ እታ ሃገር ተዓዊቶም

መቐለ 21 ሰነ 2012(ድወት) ኣብ ማሊ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዝዳንታዊ መረፃ መራሒ ተቃዋሚ ውድብ ከምዝተዓወቱ ተገሊፁ።

ቤት ፍርዲ ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ መረፃ ዳግም ክካየድ ብመሰረት ዝሃቦ ውሳነ ዳግም ዝተኻየደ ፕረዝዳንታዊ መረፃ ማላዊ ኮሚሽን መረፃ ማላዊ ድማ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ላዘሩስ ቻክወራ ከምዝተዓወቱ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

ታሪኽ መረፃ ማላዊ ዝቐየረ ዝተብሃለ እቲ ንኻልኣይ ግዜ ዝተኻየደ መረፃ እታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲ ንምምራሕ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ በሪ ዝኸፍት ምዃኑ ድማ ተዓዘብቲ ይገልፁ።

ከም ሓበሬታ ኮሚሽን መረፃ ማላዊ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ማላዊ ኮንግረስ ፓርቲ ቻክወራ ካብ ጠቅላላ 4 ነጥቢ 4 ሚልዮን መራፂ ህዝቢ 2 ነጥቢ 6 ሚልዮን ከምዝረኸቡ ድማ ተገሊፁ።

ተናሓናሒኦም ነበር ፕረዝደንት ፒተር ሙታሪኽ ድማ 1 ነጥቢ 7 ሚልዮን (39) ሚኢታዊ ድምፂ ከምዝረኸቡ ተመልኪቱ ኣሎ።