ስም ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዉድሮው ዊልሰን፡ ካብ ህንጻ ዩንቨርሲቲ ክሕከኽ እዩ

መቐለ 21 ሰነ 2012(ድወት) ናይ ኣመሪካ ዩንቨርሲቲ ፕሪንስተን፡ ስም ነበር ፕረዚደንት ኣመሪካ ዉድሮው ዊልሰን ካብ ህንጻታቱ ክሕከኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ምኽንያቱ ድማ እቲ ፕረዚደንት ዓሌታዊ እምነት ስለዝነበሮን፡ ዓሌታዊ ፖሊሲታት የፈጽም ብምንባሩን እዩ።

እዚ ስጉምቲ፡ ብምኽንያት ሞት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተልዓለ ‘ኣንጻር ዓሌታውነት’ ዘቕነዐ ተቓውሞታት ዝወለዶ እዩ።

ዊልሰን ካብ 1913 ክሳብ 1921 ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረን ኣብ ምምስራት ሊግ ኦፍ ኔሽንስ ግደ ዝተጻወተን እዩ።

እንተኾነ፡ ጸለምትን ጸዓዱን ክተሓዋወሱ የብሎምን ዝብል መርገጺ ዝነበሮን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ ጸለምቲ ካብ ጸዓዱ ክፍለዩ ዝገበር ፖሊሲ ዘንበረን እየዑ።

ኣብ ዩንቨርሲቲ ፕሪንስተን ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ፡ ጸለምቲ ተምሃሮ ናብቲ ዩንቨርሲቲ ከይኣትዉ ከልኪሉ እዩ።
bbc