ሰደድ ንግዲ ወፃኢ ኣትክልትን ፍራምረን ኬንያ ብ80ሚኢታዊ ወሲኹ

መቐለ 21 ግንቦት 2012(ድወት) ሰደድ ንግዲ ወፃኢ ኣትክልትን ፍራምረን ኬንያ ብ80ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዘርኣየተገሊፁ።

ኬንያ ናብ ሃገራት ወፃኢ ሰደድ እትገብሮ መጠን ኣትክልቲ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ተዘሓሒሉ ዝፀንሐ ዋላ’ኳ እንተነበረ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን ካብ 80-89 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዘርኣየ እዩ ተገሊፁ ዘሎ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጀመረሉ እቲ ሰደድ ብ30ሚኢታዊ ምንካይ ከምዘጋጠሞ ዝገለፁ ሓላፊ ኢንዱስትሪ ኣትክልትን ፍራምረን እታ ሃገር ኦክጌረ ኦጄፓት ኣብዚ ሐዚ እዋን ብፍላይ ሰደድ ኣሕምልቲ ብ89 ሚኢታዊ ፣ ሰደድ ዕምበባታት ድማ ብ80ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ እዮም ሓቢሮም።

በዚ መሰረት ኬንያ ናብ ማእኸላይ ምብራቕ ፣ ኣውሮፓን ኣሜሪካን ምህርታ እናሸጠት ትርከብ ዝበሉ እቶም ሓላፊ እዚ ድማ ቁጠባ እታ ሃገር ንምንስእራር ፅቡቕ ዕድል ከምዝኸፍት ገሊፆም እዮም።

ሰደድ ንግዲ ወፃኢ ኣትክልትን ፍራምረን ኬንያ ዝዓበየ ሸርፊ ወፃኢ ካብ እትረኽበሎም ዓውድታት ኣብ 3ይ ብርኪ ዝስራዕ እዩ።