ኢንዳስትሪታት ኣማራፅታት ዕዳጋ ዉሽጢ ዓዲ ክጥቀሙ ይግባእ ተባሂሉ

መቐለ 13 ግንቦት 2012(ድወት) ኢንዳስትሪታት ኣማራፅታት ዕዳጋ ዉሽጢ ዓዲ ክጥቀሙን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና መከላኸሊ ናውቲ ኣብ ምፍራይ ትኹረት ንክገብሩ ኣንፈት ተቐሚጡ።

ኣብ ግብረ መልሲ ፅዕንቶ ቫይረስ ኮሮናን ትካላት ኣፍረይቲ ጨርቃ ጨርቅን ኣልባሳትን ኣብ ዙርያ ዘጋጠሞም ፀገማት ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዘተ ተሳሊጡ።

ሚኒስትር ጉዳያት ሰራሕተኛን ማሕበራውን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ኣብ ዙርያ ፅዕንቶ ቫይረስ ኮሮናን ክዉሰዱ ዝግበኦም ኣንፈታትን ዘትየን ተባሂሉ።

ኣብ እዋን እቲ ዘተ ኣብ ዉሽጢ ፓርክታት ኢንዳስትሪ ዝርከቡ ትካላት ኣፍረይቲ ጨርቃ ጨርቅን ኣልባሳትን ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ካልኦት ኣማራፅታት ዕዳጋ ንክጥቀሙ፣ኣብ ምፍራይ ናውቲ መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ትኹረት ንኽገብሩን ዕድላት ዕዳጋ ወፃኢ ፀንቂቖም ንኽጥቀሙን ሓበራዊ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ተገሊፁ።

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣርከበ ዑቕባይን ሓላፊት ፓርክታት ኢንዳስትሪ ሌሊሴ ነሚን ሓዊሱ ካልኦት ኣካላት መንግስቲ ኣብቲ ዘተ ተሳቲፎም እዮም ከም ፀብፃብ FBC።