ብገበን ምጥፋእ ዘርኢ ዝተኸሰሱ ዉልቀ ሰብ ናብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ኣለዎም ተባሂሉ

መቐለ 13 ግንቦት 2012(ድወት) ዓለም ለኸ መርመርቲ ገበነኛታት ኲናት ኣብ ሩዋንዳ ብዝተፈፀመ ገበን ምጥፋእ ዘርኢ ዝተኸሰሱ ፈሊስየን ካቡጋ ናብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ንክቐርቡ ሓቲቶም።

ዓቀብቲ ሕጊ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቶም ብዘርኢ ምጥፋእ ተኸሲሶም ንርብዒ ክፍለዘመን ክእለሹ ዝፀንሑን ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ፈረንሳይ ከተማ ፓሪስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓሉን ወዲ 84 ዓመት ፈሊስየን ካቡጋ ናብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ንክቐርቡ እናሓተቱ እዮም ተባሂሉ።

ዓቃቢ ሕጊ ብራመርትዝ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ናብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ንኽዘዋወሩ ሕቶ ከምዘቕረቡ ሓቢሮም ኣለዉ።

እቶም ገበነኛ ኣብ 1994 ዓመተ ፈረንጂ ኣስታት 800 ሽሕ ሩዋንዳውያን ክጭፍጨፉ ኣብ ምግባር ኢድ ነይሩዎም ብዝብል ተኸሲሶም እናተኣለሹ ዝፀንሑ ኮይኖም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምውዓሎም ግን ነቲ ጉዳይ ናብ ዘፃሪ ቤት ፍርዲ ኣሩሻ ታንዛንያ ቅድሚ ምቕራቦም ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ዘ ሄግ ክቐርቡ ከምዝኽእሉ ዓቃቢ ሕጊ ብራመርትዝ ምግላፆም CGTN Africa ፀብፂቡ።