ሞኬትሲ ማጆሮ ቀዳማይ ቃለ መሓላ ፈፂሞም ተባሂሉ

መቐለ 13 ግንቦት 2012(ድወት) ሞኬትሲ ማጆሮ ቀዳማይ ሚኒስትር ሌሴቶ ኮይኖም ቃለ መሓላ ከምዝፈፀሙ ተገሊፁ።

ሞኬትሲ ማጆሮ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም ዝተሾሙ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ቶማስ ታባኔ ስልጣኖም ድሕሪ ምልቃቖም ከምዝኾነ ይግለፅ ኣሎ።

ዝሓለፈ ሰሉስ ስልጣኖም ብዓርሰ ፍቓዶም ዝለቐቑ ቶማስ ታባኔ ምስ ሐዚ ዘለዋ በዓልቲ ቤቶም ብምዃን ንነበር በዓልቲ ቤቶም ቀቲሎም ዝብል ክሲ እናቐረበሎምን ከቢድ ፅዕንቶ እናተፈጠረሎምን ድሕሪ ምፅንሑ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ይኹን እምበር እቶም ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሌሴቶን በዓልቲ ቤቶምን እቲ ተግባር ኣይወዓልናዮን ብምባል ክሒዶም እዮም።