ካብ ማላዊ ናብ ሞዛምቢክ ዝጓዓዙ ዝነበሩ 64 ኢትዮጵያውያን ሂወቶም ሓሊፉ.

መቐለ 16 መጋቢት 2012(ድወት) ካብ ማላዊ ናብ ሞዛምቢክ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝጓዓዙ ዝነበሩ 64 ኢትዮጵያውያን ሂወቶም ከምዝሓለፈ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ድማ ሕልፈተ ሂወት እቶም ኢትዮጵያውያን ኣመልኪቶም ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ከምዝገለፆ እቶም ካብ ማላዊ ናብ ሞዛምቢክ ክጓዓዙ ከለዉ ሂወቶም ዝሓለፈ 64 ኢትዮጵያውያን ኣብ ፅዕነት መኪና እንትጓዓዙ ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን መንነትን ዝርዝር ጉዳያትን እቶም ንሓደጋ ዝተቓልዑ ኢትዮጵያውያን ይፃረ ከም ዘሎ ዝሓበረ FBC ዝምልከቶም ኣካላት ብትኹረት ይሰርሑሉ ከምዘለዉ ድማ ገሊፁ።

BBC ትግርኛ ብወገኑ ቁፅሪ ዝሞቱ 64 ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ድሕሪ ምግላፅ 14 ድማ ካብ ሓደጋ ሞት ዝደሓኑ ከምዘለዉ ገሊፁ ኣሎ።

እቶም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት መዕረፊኦም ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ከምዝነበረ ድማ ተገሊፁ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ቁፅሪ ዝሞቱ ኢትዮጵያውያን ክሳብ ሐዚ ምፅራይ ይግበረሉ ከምዘሎ ገሊፁ ኣሎ።