ቁፅሪ ብኮሮና ዝሞቱ ሰባት ብብርኪ ዓለም 400 ሽሕ በፂሑ

መቐለ 16 መጋቢት 2012(ድወት) ቑፅሪ ብሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝተጠቕዑ ሰባት ብብርኪ ዓለም 400 ሽሕ ከምዝበፅሐ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዓ/ም/ፈ ኣብ ቻይና ግዝኣት ሁበይ ከተማ ውሃን ንፈለማ እዋን ዝተርኣየ እቲ ቫይረስ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ መላእ ሃገራት ዓለም ብምስፍሕፋሕ ቁፅሪ ዝሞቱን በቲ ቫይረስ ዝተሓዙን ሰባት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይውስኽ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ድማ ብብርኪ ዓለም ቑፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት ልዕሊ 400 ሽሕ ከምዝበፅሐ ተሓቢሩ።

እቲ ሕማም ብቐንዱ ዘጥቅዐን ሃገራት ድማ ሃገራት ቻይና ፣ ጣልያን፣ጃፓን ፣ጀርመንን ኣሜሪካን ምዃነን ተገሊፁ ኣሎ።

ቐንዲ ስግኣት ጥዕና ማሕበረሰብ ዓለም ኾይኑ ዘሎ እቲ ቫይረስ ኣብ ሓፂር እዋን ካብ ምስፍሕፋሑ ብተወሳኺ ዘርእዮ ዘሎ ናይ ባህሪ ለውጢ ንምክልኻልን ንምዕጋትን ኣፀጋሚ ኾይኑ ከም ዘሎ ድማ ሰብ ሞያ ጥዕና ይገልፁ።