ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ኩሎም ዶባት ኢትዮጵያ ንዝዉዉር ሰባት ክዕፀዉ ተገይሩ

መቐለ 15 መጋቢት 2012(ድወት) ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ዶባት ኢትዮጵያ ንዝውውር ደቂ ሰባት ከምዝዓፀወት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ምዕፃው እቶም ዶባት ቀረብ ሎጂስቲክስ ንምብፃሕ ዝግበር ፃዕሪ ከምዘየካትት ድማ ሓቢሮም ኣለዉ።

ሎሚ ለበዳ እቲ ሕማም ንምክልኻል ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ዝተገምገሙ ኮይኖም እቲ ማሕበረሰብ ካብ ምንኽኻእ ተረሓሒቑ ንክንቀሳቐስ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ኣብቶም ዝሓለፉ መዓልታት ብኣግባቡ እናተፈፀመ ከምዘይኮነ ተዛሪቦም።

ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ዝነበሩ መርሃ ግብርታት ኣብያተ እምነት እውን ብቑዕ ስራሕቲ ምክልኻል ከምዘይተወሰደ ዝተገምገመ ኮይኑ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ቐፃሊ ምእመናን ካብ ምምሃር ብዝዘለለ ብተግባር ስጉምቲ ክወስዱ ከምዘለዎም መተሓሳሰቢ ተመሓላሊፉ እዩ።

ሰባት ኣብ ሓደ ቦታ ዘተኣኻኽቡ ኣብያተ መስተ ፣ ምሽታዊ ኣብያተ መዘናግዒን ኣብያተ ጫትን ድማ ኣብ ቐፃሊ ኣካላት ፀጥታ ዘየላጢ ስጉምቲ ንክወስዱ ኣንፈት ተቐሚጡ ኣሎ።

ምስ ኣኼባታት ተተሓሒዙ ድማ መንግስታዊ ትካላት ኣኼባ ንኸየካየዱ እገዳ ዋላ እኳ እንተዘይተገበረ ግቡእ ጥንቓቐ ንኽገብሩ ግን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም እዮም።

እቲ ቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 11 ሰባት ዝተረኸበ ኮይኑ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ናብ ኣማኢት ክዓቢ ስለዝኽእል ኩሉ ሰብ ጥንቃቐ ንክገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ለበዳ እቲ ሕማም ንምክልኻል ልዕሊ 5 ቢልዮን ቅርሺ በጀት ተመዲቡ ይስራሕ ከምዘሎ እዉን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጦም እዮም ከም ፀብፃብ FBC።