ቐረብ ምህርቲ ነዳዲ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ምንካይ የርኢ ኣሎ ተባሂሉ…

መቐለ 02 መጋቢት 2012(ድወት) ቐረብ ምህርቲ ነዳዲ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ምንካይ ከምዘርኣየ ኤጀንሲ ዓለም ለኸ ቀረብ ምህርቲ ነዳዲ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤጀንሲ ከምዝገለፆ ቐረብ ምህርቲ ነዳዲ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ምንካይ ዘርኣየ ብምኽንያት ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዓለም ተራእዩ ዘሎ ቫይረስ ኮሮና እዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዓለም ዝተርኣየ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ቐረብ ነዳዲን ቁጠባ ዓለምን ፅልዋ የሕድር ከምዘሎ ዝሓበረ CGTN ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ምህርቲ ነዳዲ ዝተርኣየ ምንካይ ቐረብ ድማ ካብ 2009 ዓ/ም/ፈ ንነዘ ንፈለማ እዋን ምዃን ተገሊፁ።

ቫይረስ ኮሮና ብፍላይ ኣብ ቐረብ ምህርቲ ነዳዲ ዝለዓለ ግደ ዘለወን ሃገራት ዓረብ ዝኸፍአ ፀገም ኮይኑ ከምዘሎ ይፍለጥ።