ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ዝውውር ኣርባዕተ ተፃወቲ ከምዝፈፀመት ተገሊፁ።

መቐለ 26 ለካቲት 2012(ድወት) ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታታት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ ወራዲ ቐጠና ኾይና ዝዛዘመት ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ኣብ ካልኣይ ዙር ተጠናኺራ ንምቕራብ ተፃወቲ እናፈረመት እያ ትርከብ።

በዚ መሰረት ንዓመለ ሚልኪያን፣ ሃይማኖት ወርቁ፣ ያሬድ ብርሃኑ፣ ኣወል ኣብደላ ናብ ጋንተኣ ከምዝፀንበረት ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ዐመለ ሚልኪያስ፣ ኣብ ማእኸል ምክፍፋል ዝፃወት ኾይኑ ቅድሚ ሕዚ ንጋታታት ኣርባምንጭ፣ መቐለ 70 እንደርታ፣ ሃዋሳ ከተማ ሲዳማ ቡና ተፃዊቱ እዩ።

ሃይማኖት ወርቁ ድማ ኣብ ማእኸል ምክፍፋል ዝፃወት ኾይኑ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ባህርዳር፣ ጅማ፣ ሃዋሳ፣ ወላይታ ዲቻን ተፃዊቱ እዩ።

መስመር ምጥቃዕ ያሬድ ብርሃኑ ብወገኑ ምስ ነበር ኣሰልጣኒኡ ዳግም ተራኸቡ ኣሎ።

ኣወል ኣብደላ ድማ ኣብ ማእኸል ምክልኻል ከምዝፃወት ተገሊፁ ኣሎ።