ኣብ ሃገረ ጣልያን ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሃገረ ጣልያን ብምኽንያት ሕማም ኮሮና ቫይረስ፣

መቐለ 26 ለካቲት 2012(ድወት) ንዝቕፅሉ 30 መዓልትታት ኩሎም ዓይነታት ስፖርት ኣብ ዕፁው ሜዳ ከካይዱ ተወሲኑ።

ንማሕበረሰብ ዓለም ስግኣት ኾይኑ ዘሎ እዚ ቫይረስ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 3ሽሕን 200 ሰባት ግዳይ ሞት ገይሩ ኣሎ።

ኣብ ጣልያን ድማ 3090 ሰባት በቲ ቫይረስ ተጠቒዖም ኣለዉ 107 ሰባት እውን ሞይቶም እዮም።
ካብ ሃገራት ኣውሮፓ ድማ ዝበዝሓ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዘለዋ ሃገር ኾይና ኣላ።

ክሳብ ሕዚ እውን ዝተፈላለዩ ፀወታታት አናናወሓለን ኣብ ዕፁው ሜዳ እናካየደትን ዝመፀት እዛ ሃገር ሕዚ ግን ኩሎም ዓይነታት ስፖርት ነዚ ወረሒ እዚ ኣብ ዕፁው ሜዳ ክካየዱ ወሲና ኣላ።

ትማሊ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ኻልኣይ እግሪ ፀወታ ፅዋዕ ጣልያን ጁቬንቱስ ምስ ኤስሚላን ናብ ካልእ እዋን ተናዊሑ እዩ።

ስሩዕ ፀወታታት ሰሪኤ ጣልያን ድማ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዕፁው ሜዳታት ክቕፅሉ እዮም።