ኣገልግሎት ደረቕ ፅዕነት ንምዝማን ዘኽእል ተመኩሮ ልውውጥ ተሳሊጡ…..

መቐለ 06 ለካቲት 2012(ድወት) ኣገልግሎት ደረቕ ፅዕነት ንምዝማን ዘኽእል ልውውጥ ተመክሮ ከምዝተሳለጠ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኣካዳሚ ኣቬሽን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 23 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ኣብ ኣገልግሎት ደረቕ ፅዕነት (ካርጎ) ዘለዉ ፀገማትን ብሉፃት ተመኩሮታትን ኣመልኪቶም ተመኩሮ ዝለዋወጡሉ መድረኽ ከምዝተሳለጠ ተሓቢሩ ኣሎ።

ሓላፊ ካርጎሳን ሎጂስቲክስን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ፍፁም ኣባዲ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ እቲ መድረኽ ኣብ ኣተሓሕዛ ሓደገኛታት ሽቐጣ ሸቐጥን ኣብ ምንቅስቓስ ደረቕ ፅዕነትን ተመኩሮ ንምልውዋጥ ዝዓለመ እዩ።
ብፍላይ ፀገማት ኣተዓሻሽጋን ኣተሓሕዛን ኣብ ደቂ ሰባት ፣ እንስሳን እፅዋትን ከምኡ እውን ኣብ ለውጢ ኩነታት ኣየር ክበፅሑ ዝኽእሉ ጉድኣታት ብምፍታሕ እቲ ልውውጥ ተመኩሮ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ዝዓበየት ኦፕሬተር ደረቕ ፅዕነት መጓዓዝያ ነፈርቲ ብምዃን ዘለዋ ተበፃሕነት ንምስፋሕ ፅሬት ኣወሃህባ ኣገልግሎት ብዝበለፀ ንምዕባይ እቲ መድረኽ ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ነንሕድሕደን 100 ቶን ምፅዓን ዝኽእላ 12 ነፈርቲ ፅዕነት ከምዘለዉኣ ዝገለፁ ኣይተ ፍፁም ዓለም ለኸ ማሕበር ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣየር ዘውፀኦ ረቛሒ ኣማሊኣ ናብ 130 መስመራት ኣብ ዓመት 450 ሽሕ ቶን ሸቐጣ ሸቐጥ ከምእተጓዓዕዝ ገሊፆም ክብል ኢዜኣ ፀብፂቡ።