ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል 10 ነጥቢ 3 ቢልዮን የን መዲባ-ጃፓን……..

መቐለ 06 ለካቲት 2012(ድወት) ጃፓን ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል 10 ንጥቢ 3 ቢልዮን የን ከምዝመደበት ኣፍሊጣ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ካብ መሐለውታ በጀት መንግስቲ 10 ነጥቢ 3 ቢልዮን የን ከም ዝተመደበን ካቢኔ ሚኒስትራት እታ ሃገር ሎሚ ዘትዮም ውሳነ ከሕልፉን ምዃኖም ሓቢሮም።

ሺንዞ ኣቤ ምስ ጉጅለ ግብረ ሓይሊ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ እቲ በጀት ናብ 15 ነጥቢ 3 ቢልዮን የን ክዓቢ ከምዝግበር እውን ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ትማሊ ንጉሆ ብዝተኻየደ ምርመራ ሓደ ገናሒ ታክሲ ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦ ማዕኸናት መራኸብቲ ሓፋሽ ጃፓን ምቅላሐን ሮይተርስ ፀብፂቡ።