ኣብ ጉዳያ ሊብያ ኢድ ኣእታውነት ሓይልታት ወፃኢ ደው ክብል ኣለዎ ተባሂሉ…….

መቐለ 06 ለካቲት 2012(ድወት) ኣብ ሊብያ ዘሎ ቅልውላው መዕለቢ ንክረክብ ኢድ ኣእታውነት ሓይልታት ወፃኢ ጠጠው ክብል ኣለዎ ኢለን ሃገራት ግሪክን ኣልጀርያን።

ኣብ ኣልጀርያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዘካየዱ ሚነስትር ጉዳያት ወፃኢ ግሪክ ኒኮላኦስ ደንድያስ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቅልውላው ሊብያ ወታሃዳራዊ ኢድ ኣእታውነት ሓይልታት ወፃኢ ጠጠው ክብልከምዘለዎ ብምሕባር ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምንዳይን ኣብ ስምምዕ ምብፃሐን ተዛሪቦም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኒኮላኦስ ደንድያስ ትማሊ ነዚ መግለፂ ዝሃቡ ምስ ኣልጀርያዊ መዘናኦም ሰብሪ ቡካዱም ኣብ ኣልጀርስ ድሕሪ ምዝታዮም እዩ ተባሂሉ።

ብኣልጀርያ ዝምራሕ ዘሎ ምንቅስቓስ ምፍታሕ ቅልውላው ሊብያ ቀንዲ ዕላምኡ ኣብታ ሃገር ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንኽመፅእ ከምዝኾነ ይግላፅ ኣሎ።

ስለዝኾነ ድማ ግሪክን ኣልጀርያን ኣብ ማዕቐፍ ሕጊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምዃን ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ኢድ ኣእታውነት ሓይልታት ወፃእን ብህፁፅ ደው ንኽብል ዘኽእል ስራሕ ንምስራሕ ኣብ ሓበራዊ ስምምዕ ምብፃሕን CGTN ኣፍሪካ ፀብፂቡ።