ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና ኣብ ዝተፈላለዩ ሕማማት መፅናዕቲ የካይድ ኣሎ

መቐለ 05 ለካቲት 2012(ድወት) ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ብምዃን ኣብ ጉዳያት ሕማም ዓባይ ሰዓልን ካልኦት ሕማማት መተንፈሲ ኣካላትን መፅናዕቲ የካይድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትር ምስ ትራሲክ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ዝተብሃለ ትካል ብምትሕብባር ዘካይዶ ዘሎ መፅናዕቲ እቶም ሕማማት ኣብ ዙርያ ጥዕና ማሕበረሰብ ዘብፅሑዎ ዘለዉ ፀገማት ጥዕና ብዝግባእ ንምፍላጥ እዩ።

ፕረዚደንት ቶራሲክ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ዶክተር ቴድሮስ ሃይሉ ከምዝገለፅዎ እቲ ትካል ዝተፈላለዩ ሕማማት ኣብ ጥዕና ሕብረተሰብ ዘብፅሕዎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ብዝግባእ ብምፅናዕ ብዘላቕነት ንምክልኻል ብትኹረት ይሰርሕ ከም ዘሎ ሓቢሮም።

ኣብ ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና ኣተሓባባሪ ፕሮግራም ሕማማት ዓባይ ሰዓልን ስጋ ደዌን ኣይተ ታዩ ለታ ብወገኖም እቲ ሚኒስቴር ብፍላይ ንምክልኻል ሕማማት ዓባይ ሰዓልን ካልኦት መተንፈሲ ኣካላት ደቂ ሰባት ዘጥቕዑ ሕማማትን ዝለዓለ ትኹረት ሂቡ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም ክብል ኢዜኣ ፀብፂቡ።