ቻይና ምስ ኣሜሪካን ሩስያን ኣብ ዝሳለጥ ወታሃደራዊ ዘተ ኣይሳተፍን ኢላ……..

መቐለ 05 ለካቲት 2012(ድወት) ቻይና ምስ ሃገራት ኣሜሪካን ሩስያን ብሓባር ዝካየድ ዘተ ወታሃደራዊ ሓይሊ ሰለስቲኤን ሃገራት ከምዘይትሳተፍ ገሊፃ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ከምዝገልፆ ቻይና ኣብ መንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ክካየድ ንዝተተለመ ሰለስቲኣዊ ወታሃደራዊ ዘተ ንምስታፍ ድልየት የብላን።

ቻይና ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን ንምርግጋፅ ሓላፍነት ኣለዋ ዝበለ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ንዚ ድማ ሐዚ እውን ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፆም።