ናብ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ንዝወፍሩ ህፃናት ንምሕጋዝ 4.2 ሚልዮን ዶላር የድሊ ተባሂሉ…

መቐለ 05 ለካቲት 2012(ድወት) ጎንፂ ኣብ ዝርኣየለን ሃገራት ኣፍሪካ ናብ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ዝኣትዉ ህፃናት ኣፍሪካ ንምሕጋዝ ልዕሊ 4.2 ሚልዮን ዶላር የድሊ ኢሉ ትካል ሓገዝ ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዩኒሴፍ።

እቲ ትካል ከምዝገለፆ ብፍላይ ኣብ ደቡብ ሱዳን ናብ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ኣትዮም ዝነበሩ ትሕቲ ዕድመ ህፃናት ቁፅሮም ብርክት ዝበሉ ኮይኖም ሐዚ ኣብታ ሃገር ይረአ ብዘሎ ተነፃፃሪ ሰላምን ዘተ ሰላም ተናሓናሕቲ ሓይልታትን ናብ ስድራኦም ንዝተመለሱ ትሕቲ ዕድመ ወታሃደራት ሓገዝ ከምዘድሊ ገሊፁ።

እቶም ህፃናት ዝግባእ ሓገዝን ክትትልን የድልዮም ዝበለ ትካል ሓገዝ ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዩኒሴፍ ኣስታት 900 ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ነበር ወታሃደራት ደቡብ ሱዳን ከምዘለዉ ድማ ገሊፁ።

ካብ 2015 ዓ/ም/ፈ ጀሚሩ እቲ ትካል ኣብ ዘካየዶ ሓገዝን ክትትልን ልዕሊ 3 ሽሕን 677 ህፃናት ካብ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ክላቐቑ ከምዝገበረ ድማ ዩኔሴፍ ገሊፁ።