ኢትዮጵያ ዕላዊ ዝገበረቶ ሃገራዊ መፍለዪ ቡን ዝተዋደደ ፃዕሪ የድልዮ ተባሂሉ……

መቐለ 03 ለካቲት 2012(ድወት) ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምህርቲ ቡን ብሓደ ስም ናብ ዕዳጋ ዓለም ንምእታው ዕላዊ ዝገበረቶ መፍለዪ ዝተዋደደ ስራሕቲ ከምዘድልዮ ተገሊፁ።

ብኣረቢካ ሲ ምህርቲ ቡን ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣብ ዕዳጋ ዓለም እተቐርብ ዝነበረት ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ጣዕሚ ዘለዎ ምህርቲ ቡን ብናይ ባዕላ መፍለዪ ብዘይምልላያ ካብ ምህርቲ ቡን ዝግባእ ረብሓ ኣይረኸበትን ይብሉ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ።

ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተወዳዳሪ ዝገብር ሃገራዊ መፍለዪ ምህርቲ ቡን ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ 2ይ ዓለም ለኸ ፌስቲቫል ቡን ዕላዊ ምግባራ ይዝከር።

እቲ መፍለዪ መበቆል ምህርቲ ቡን ታሪኽ ኢትዮጵያ ብምዝኽኻር ቡን ኢትዮጵያ ዝብል ፅሑፍ ዘለዎ እዩ።

ኢትዮጵያ ካብ ጠቕላላ ንግዲ ወፃኢ ኣታዊኣ እቲ 30 ሚኢታዊ ካብ ምህርቲ ቡን ዝርከብ ምዃኑ መረዳእታታት የመልክቱ።