ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ 6ተ ኣዋርሕ 31.8 ቢልዮን ቅርሺ እቶት ረኺቡ

መቐለ ጥሪ 14/2012(ድወት)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ 6ተ ኣዋርሕ 31.8 ቢልዮን ቅርሺ እቶት ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ።

ፕረዝደንት እቲ ባንኪ ኣይተ ባጫ ጊና ካብ ውልቀ ዘፈር 24.6 ቢልዮን ቅርሺ ተቐማጢ ገንዘብ ከምዝኣከበ ተዛሪቦም።

ብትልሚ ተታሒዙ ካብ ዝነበረ 403 ቢልዮን ቅርሺ ሓፈሻዊ ካብ ተቐማጢ ገንዘብ ውልቀ ዘፈር ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን 393 ቢልዮን ቅርሺ ከምዝበፅሐ’ዩ እቶም ፕረዝደንት ዝተዛረቡ።

እቲ ባንኪ ካብ ዝሃቦም ዝተፈላለዩ ልቓሓት 37.9 ቢልዮን ቅርሺ ንምእካብ ተሊሙ 30 ቢልዮን ቅርሺ ዝኣከበ እንትኸውን እዚ ድማ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ዝኣከቦ እንትነፃፀር ናይ 38ሚኢታዊ ዕቤት ከም ዘመዝገበ ተገሊፁ።

ኣብ መዳይ ሸርፊ ወፃኢ ምዕባይ ድማ ኣብ ውሽጢ እዚ ፍርቂ ዓመት ካብ ንግዲ ወፃኢ 139.4 ሚልዮን ዶላር፣ካብ ሓዋሳ ወፃኢ 1.7 ቢልዮን ዶላር ምእካብ ከምዝተኽኣለ’ውን ሓቢሮም።

ክፍሊት ሸርፊ ወፃኢ ብዝምልከት ኣብዚ ፍርቂ ዓመት ናብ 2.9 ቢልዮን ዶላር ንዝተፈላለዩ መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ ንዓበይቲ ፕሮጀክታት ልምዓትን ንዝተፈላለዩ ኣምፃእቲ ክፍሊት ኣታዊ ኣቑሑ ከምዘቕረበ ኣይተ ባጫ ገሊፆም።
ኣብዚ ፍርቂ ዓመት 114 ሓደሽቲ ጨናፍር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ከምዝተኸፈቱን ብሓፈሻ ኣብቲ ባንኪ ቁፅሪ ዝዓቖሩ ሰባት 23.5 ሚልዮን ከምዝበፅሐ’ውን ኣዘኻኺሮም።