ጥምረት ክንክን ማሕበረሰብ ኣብ ምቕራፍ ፀገማት ሕብረተሰብ ዝለዓለ ግደ የበርክት ከምዘለዎ ተሓቢሩ

መቐለ ጥሪ 12/2011(ድወት)ጥምረት ክንክን ማሕበረሰብ ኣብ ምቕራፍ ፀገማት ሕብረተሰብ ዝለዓለ ግደ የበርክት ከምዘለዎ ተሓቢሩ
ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ዝተጣየሻ ውዳበታት ጥምረት ክንክን ማሕበረሰብ ማሕበራዊ ፀገማት ሕ/ሰብ ኣብ ምቅላል ናይ ባዕለን ግደ የበርክታ ከምዘለዋ ተገሊፁ።
ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ጉዳይ ሰራሕተኛን ማሕበራውን ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ወ/ሮ ታደለች ግርማይ ከምዝገለፅኦ ኣብታ ወረዳ ንልዕሊ 20ሽሕን 300 ወገናት ብኣባልነት ዝሓቖፋ 22 ውዳበታት ጥምረት ክንክን ማሕበረሰብ ተጣይሸን እየን።
እዚአን ንመላእ ኣባላተንን ኣብቲ ከባቢ ንዝንቀሳቐሳ ትካላት ገበርቲ ሰናይን ብምትሕብባር ማሕበራዊ ፀገማት ሕ/ሰብ ኣብ ምቅላል ናይ ባዕለን ግደ የበርክታ ከምዘለዋ ወ/ሮ ታደለች ሓቢረን።
እተን ውዳበታት ሎሚዘበን ንመሐገዚ ፅጉማት ወገናት ዝውዕል 444ሽሕ ብር ንምትእኽኻብ መደብ ሒዘን ይንቀሳቐሳ ከምዘለዋን ንጊዚኡ 20ሽሕን 834 ብር ከምዝኣከባን እተን ሓላፊት ተዛሪበን።