ህንዲ ኣብ 6ተ ዓመታት 3ሽሕን 900 ንዜጋታት 3ተ ሃገራት ዜግነት ሂባ

መቐለ ጥሪ 12/2011(ድወት)ህንዲ ኣብ ውሽጢ 6ተ ዓመታት ንልዕሊ 3900 ዜጋታት ፓክስታን ፣ ኣፍጋኒስታንን ባንድላድሽን ዜግነት ከምዝሃበት ተሓቢሩ።

ህንዲ ኣብቶም ዝሓለፉ 6ተ ዓመታት ን2838 ፓኪስታናውያንን 914 ኣፍጋኒስታናውያን ከምኡ እውን ን172 ባንግላድሻውያን ዜግነት ከም ዝሃበት ሚኒስትር ፋይናንስ እታ ሃገር ኒርማላ ሲታራማን ገሊፀን።

ብዘይካ እዚ ኣብ መንጎ 1964ን 2008ን ዓ/ም/ፈ ን400ሽሕ ማሕበረሰብ ታይንል ካብ ስሪለንካ ዜግነት ህንዲ ከም ዝተውሃበ እውን ተሓቢሩ እዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ፓርላማ ህንዲ ኣፅዲቕዎ ንዝነበረ ረቒቕ ኣዋጅ ጉዳይ ዜግነት ዘከሓሕስ ከም ዝኾነ ድማ እዩ እቲ ሕዚ ተዋሂቡ ዘሎ ዜግነት ዝገለፀሉ ዘሎ።

ከም ገለፃ እተን ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኮይኖም ካብ ዝሽየሙ ንነዘ ከባቢ 1595 ስደተኛታት ፓኪስታንን 391 ተኽተልቲ እምነት እስላም ተኽተልቲ እምነት እስልምና ኣፍጋኒስታን ዜግነት ህንዲ ተዋሂብዎም ኣሎ።

ህንዳውያን ኣብቶም ዝሓለፉ 2 ኣዋርሕ ኣብ ጉዳይ ኣወሃህባ ዜግነት ኣመልኪቱ ንዝወፀ ሕጊ ብምቅዋም ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዶም ዝፍለጥ እዩ።