ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ዕሸል ከተማ ኩኩፍቶ ንልዕሊ 9 ሽሕ ነበርቲ ተጠቃሚ ዝገብር ፕሮጀክት ፅሩይ መስተ ማይ ተመሪቑ።

መቐለ 10 ጥሪ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) መሃንዲስ መስተ ማይ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ኣይተ ክብሮም ገብረሃወርያት ከምዝበልዎ እቲ ፕሮጀክት ብ ማረት ገበርቲ ሰናይን ብሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ዝተሃነፀ እዩ።

ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ማይ ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ዝተዛዘመ እዮ ኢሎም።ካብኡ ብተወሳኪ ውን ንልዕሊ 6 ሽሕን 5 ሚኢቲን እንስሳት ማይ ከስቲ ተሓሳቢ ዝገበረ እዮ ተባሂሉ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ፅሩይ ማይ ንምርካብ ኣስታት 3 ሰዓታት ይጉዓዙ ከምዝነበሩ ብምግላፅ እታ ዝነበረት ማይ ውን ነቲ ሕብረተሰብ ኣይትኣክልን ነይራ ኢሎምና።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና እቲ ፕሮጀክት ማይ ምህናፁ እቲ ዝነበረ ፀገም ማይ ከምዝፈትሐሎም ተዛሪቦም።

ኤፍቢሲ