ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዝህልዋ ርክብ ዲፕሎማሲ ኣፍሪካዊ መሰረት ዝሓዘ እዩ ተባሂሉ

መቐለ 09 ጥሪ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ እትገብሮ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣፍሪካዊ መሰረት ዝሓዘ እዩ ኢሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ።

ወሃቢ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ነብያት ጌታቸው ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝህልዋ ርክብ ዲፕሎማሲ ኣብ ቓልሲ ፀረ ባዕዳውያንን ፀረ ኣፓርታይድን ዝፈፀመቶ ግደ ብዘጉልህ መልክዑ ዝካየድ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ኢትዮጵያ ከም መስራቲት ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ ኣብ ኣፍሪካ ተሰማዕነታን ፅዕንቶኣን ብዘዕቢ መልክዑ ዝካየድ ምዃኑ ገሊፆም ክብል ኢዜኣ ፀብፂቡ።