ኣብ ጎንደር በዓል ጥምቀት ነታጕ ንምፍንዳእ ዝሓሰቡ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

መቐለ 09 ጥሪ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ በዓል ጥምቀት ነታጒ ንምፍንዳእ ቅድመ ምድላው ክገብሩ ዝፀንሑ ተጠርጠርቲ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከም ዘውዓለ ሃገራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ከምዝገለፆ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ሎሚ ዓመት ኣብ ዝኽበር በዓል ጥምቀት ብዝተዋደደ መልክዑ ነታጒ ንምፍንጃር ልኡኽ ግብረ ሽበራ ተቐቢሎም ኣብ ቅድመ ምድላው ዝነበሩ ክልተ ጉጅለ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ውዒሎም ኣለዉ ኢሉ ኣሎ።

እቶም ኣባላት 4 ኤፍ ዋን ዝተብሃለ ቦምብን 200 ጠያይትን ብምሓዝ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ዝገለፀ ኢዜኣ እዚ ድማ ሃገራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብሓባር ብዝገበሮ ክትትል ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ ጉጅለ መን ከምዘዋፈሮ ብቐፃሊ ዕላዊ ከምዝገብር ዝገለፀ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ፌደራል እቶም ተጠርጠርቲ እቲ ሓደጋ እንተብፅሑ ዝለዓለ መጠን ዘለዎ ገንዘብን መንበሪ ገዛን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክውሃቦም ቓል ከምዝተኣተወሎም ኣረጋጊፀ ኣለኹ ኢሉ ክብል ኢዜኣ ፀብፂቡ።