45 ሚልዮን ሰባት ንህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ተቓሊዖም ተባሂሉ…

መቐለ 09 ጥሪ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪካ ልዕሊ 45 ሚልዮን ሰባት ንህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከም ዝተቓልዑ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

ትሑት መጠን ዕቤት ቁጠባ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪካ ልዑል ወሰኽ ቑፅሪ በዝሒ ህዝቢ ፣ ሓደጋ ድርቅን ውሕጅን ኣብቲ ከባቢ ንዝተፈጠረ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቕልውላው ሕፅረት ምግቢ ኣዕርዩ ከምዘጋደዶ ድማ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

ብምዃኑ ኣብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪካ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣጋጢሙ ብዘሎ ሓደጋ ልዕሊ 45 ሚልዮን ሰባት ንህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ተቓሊዖም ኣለዉ ዝበለ ኣልጀዚራ እዚኦም መብዛሕትኦም ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ምዃኖም ድማ ሓቢሩ።

ትካል ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት መንግስታት (WFP) ከምዝገለፆ እቲ ኣብቲ ከባቢ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕፅረት ምግቢን ጥምየትን ኣብ ታሪኽ ዝኸፍአ ምዃኑ ገሊፁ።

ከም ሓበሬታ እቲ ትካል ነዚ ንምፍታሕ ካብ ዘድሊ 489 ሚልዮን ዶላር እቲ 205 ሚልዮን ዶላር ጥራሕ ከምዝተረኸበ ገሊፁ ኣሎ።

እቲ ሓደጋ ጥምየት ብዋናነት ኣብ ሃገራት ሌሴቶ፣ ማዳጋስካር ፣ ማላዊ ፣ ሞዚምቢክ ፣ ናሚብያ ፣ ዛምቢያን ዚምባብዌን ዘጋጠመ ምዃኑ ድማ ፀብፃባት የመልክቱ።