ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ 2020 ዓ.ም.ፈ ምስ ቻይና ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ክጠናኸር እዩ…

መቐለ 09 ጥሪ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ 2020 ዓ.ም.ፈ ምስ ቻይና ዝህልዎ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ብፍሉይ ክጠናኸር ከምዝሰርሕ ኣብ ቻይና ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ገሊፆም።

እቲ ሕብረት ነዚ ንምጥንኻር ዘኽእል ጉባኤ ኢንቨስትመንት ቻይና ሕብረት ኣውሮፓ 2020 ዓ.ም.ፈ ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ብራስለስ ከምዘካይድ ድማ ተሓቢሩ።

ኣብ ቻይና ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኒኮለስ ቻፑይስ ከምዝበልዎ እቲ ሕብረት ኣብ 2020 ዓ.ም.ፈ ምስ ቻይና ሓዱሽ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምጥንኻር ብፍሉይ ጌሩ ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊፆም።

ኣብ መንጎ ቻይናን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሎ ኣፈላላይ ብምፍታሕ ርክብ ዲፕሎማሲ ፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን ቻይናን ሕብረት ኣውሮፓን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክሰጋገር ድልየት ኣለና ዝበሉ ቻፑይስ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ብሓባር ብምስራሕ ዝተረጋገዐ ሰላምን ፀጥታን ዓለም ክጠናኸር ድልየት ሕብረት ኣውሮፓ ምዃኑ ገሊፆም።

ሕብረት ኣውሮፓ ቅድሚ 7ተ ዓመታት ሓፈሻዊ ኩለ መደያዊ ርክብን ስምምዕን ኢንቨስትመንት ምስ ቻይና ከምዝተፈራረመ CGTN ኣዘኻኺሩ።