ኣንጎላዊት ሃፍታም ጓል ኣነስተይቲ ንፕረዚዳንትነት ክነሓንሓ ከምዝኽእላ ገሊፀን…

መቐለ 08 ጥሪ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ሃፍታም ዝኾና ኣንጎላዊት ጓል ኣነስተይቲ ንፕረዚዳንትነት ክነሓንሓ ከምዝኽእላ ኣፍሊጠን።

ኣብ ስደት ዝርከባ ጓል ነበር ፕረዚዳንት ኣንጎላ ዝኾና ኢሳቤላ ዶስ ሳንቶስ ንፕረዚዳንትነት ንምዉድዳር ኣብ ግምት ኣእትየን ይንቀሳቐሳ ከምዘለዋ ፀብፃባት ኣመልኪቶም።

ከም ፀብፃብ ጋዜጣ ፎርብስ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ሃፍታም ዝኾና ሳቤላ ፕረዚዳንት እታ ሃገር ዝነበሩ ወላዲአን ኣብ 2017 ዓ.ም.ፈ ካብ ስልጣን ምእላዮም ስዒቡ ከቢድ ግዘ ኣሕሊፈን እየን።

ምስ ቴሌቭዥን ፖርቹጋል RTP ቃለ መሕትት ዘካየዳ ኢሳቤላ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ስልጣን ብምዉድዳር ሃገረን ንምግልጋል ዘኽእለን ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓስ ከምዝገብራ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ኣንጎላ ኣብ 2022 ዓ.ም.ፈ መረፃ ክተካይድ ምዃና ድማ ኣፍሪካን ኒውስ ፀብፂቡ።