ሰኔት ኣሜሪካ ክሲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምድማፅ ጀሚሩ…

መቐለ 08 ጥሪ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ሰኔት ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ውሳነ ንምሃብ ብቤት ምኽሪ እታ ሃገር ዝቐረበ ክሲ ምዕዛብ ከምዝጀመረ ተሓቢሩ።

ኣባላት እቲ ሰኔት ነቲ ክሲ ከም ዳያኑ ኮይኖም ብፍትሓዊ መንገዲ ክምልከቱ ቃል ከምዝኣተዉ እውን ተመልኪቱ ዘሎ።

ኣባል ኮሚቴ ጉዳያት ድሕንነት ኣዳም ቺፍ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰኔት ብምቕራብ ምኽንያታት ክሲ ዶናልድ ትራምፕ ዘቕረቡ እንትኾኑ እቶም ፕረዚደንት ብኸበድትን ቀለልትን ገበናት ክሲ ክምስረተሎም ከምዝግባእ ኣረዲኦም።

ዶናልድ ትራምፕ ብፍላይ ኣብ ሕሉፍ መረፃ እታ ሃገር ኣብ ሰለስቲኦም ኣካላት መንግስቲ ማለት እውን ሕጊ መውፅኢ ፣ ሕጊ ትርጓምን ሕጊ ፈፃምን ብዝፈጠርዎም ፅዕንቶታት ውፅኢት መረፃ ምቕያር ዝብል ክሲ ከምዝቐረበሎም እውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ግዕዝይና፣ስልጣን ብኣግባቡ ዘይምጥቃም ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ቀንዲ ተናሓናሒኦም ጆ ባይዲን ምፅራይ ክትገብር ምግባሮምን ድማ እቶም ቀንዲ ምኽንያታት ክሲ ዶናልድ ትራምፕ ምዃኖም እዩ ዝግለፅ።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ ሎሚ ዕለት ፕረዚደንት ትራምፕ ብምኽሳስ ታሪኽ ዝሰረሐሉ መዓልቲ እዩ ክብላ ድማ ገሊፀን ኣለዋ።
ሰኔት እታ ሃገር ነቲ ሓሳብ እንተፅዲቕዎ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር 3ይ ተኸሳሲ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ክኾኑ እዮም።