ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨንፈሩ ኣብ ጅቡቲ ከፊቱ…

መቐለ 05 ጥሪ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ዝኸፈቶ ጨንፈር ከም ዘመረቐ ተሓቢሩ።

እቲ ባንኪ ሲቢኢ ጅቡቲ ሊሚትድ ብዝብል ስያመ ዝኸፈቶ ጨንፈር ፕረዚደንት ጅቡቲ ኢስሚዒል ኦማር ጊሌ እዮም መሪቒም ዝኸፈትዎ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምርቓ ንፕረዚደንት ጅቡቲ ኢስማዒል ኦማር ጊሌ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እታ ሃገር ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ዓብደል ዓዚዝ መሓመድ ፕረዚደንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ዋና ኣፈፃሚ ስራሕን ኣይተ ባጫ ጊና ከምኡ እውን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ባንኪ ተረኺቦም እዮም።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ሲቢኢ ጅቡቲ ሊሚትድ ብዝብል ኣብታ ሃገር ጨንፈሩ ምኽፋቱ ኩለመዳያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘጠናኽር ከም ዝኾነ እዩ ፕረዚደንት ኢስማዒል ዝገለፁ።

እቲ ጨንፈር ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኢንቨስትመንትን ስራሕቲ ንግድን ንዝተዋፈሩ ኢትዮጵያውያንን ካልኦት ዜጋታትን ደረጅኡ ዝሓለወ ኣገልግሎት ባንኪ ንምሃብ ዘኽእል ክኸውን ድማ እዩ ኢሎም እቶም ፕረዚደንት።

ፕረዚደንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ዋና ኣፈፃሚ ስራሕን ኣይተ ባጫ ጊና ብወገኖም እቲ ባንኪ ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ጨናፍር ኣብ ምኽፋት እንትኸውን እዚ ድማ ዓለምለኸ ተባፃሕነት እቲ ባንኪ ብምዕባይ ኩለመዳያዊ ኣገልግሎት ባንኪ ንምሃብ ዘኽእሎ ክኸውን እዩ ኢሎም።

እቲ ጨንፈር ምኽፋቱ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዝካየድ ቁጠባዊ ውህደት ንምቅልጣፍ ዝሕግዝ ምዃኑ ድማ እዩ ፕረዚደንት ኢስማዒል ኦማር ጊሌ ዝገለፁ።