ፈንድ ልምዓት ሕርሻ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንኢትዮጵያ 40 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ትህብ እያ

መቐለ 05 ጥሪ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ፈንድ ልምዓት ሕርሻ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንኢትዮጵያ ሓገዝ 40 ሚልዮን ዶላር ከምዝህብ ኣፍሊጡ።

ንመፈፀሚ እቲ ፕሮግራም ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር ከምዘድሊ እውን ተመልኪቱ ኣሎ።

ኣብ ሮም ካብ ዝርከቡ ሰለስተ ኤጀንሲታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓዲኡ ዝኾነ ኣይፉድ ፍርቂ ሚልዮን ሓረስቶት ተጠቀምቲ ፋይናንስ ንክኾኑ ዝሕግዞም ፕሮግራም መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተግብር ሓገዝ 35.7 ሚልዮን ዶላርን ልቃሕ 4.9 ሚልዮን ዶላርን ብድምሩ 40 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝህብ ገሊፁ።

እቲ ስምምዕነት ሓገዝ ኣብ ሮም ዝተፈረመ እንትኸውን ብወገን ትካል ኣይፋድ ፕረዚደንት እቲ ትካል ጊልበርት ሆንግቦ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሮምን ቀዋሚ ተፀዋዒት ኢትዮጵያ ኣብ ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ወ/ሮ ዘነቡ ታደሰን ተፈሪሙ እዩ።

እቲ ፕሮግራም ተፈፃሚ ንምግባር ካብ ዘድልዮ 306 ሚልዮን ዶላር ውሽጢ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከባቢ 52 ሚልዮን ዶላር ከዋፅእ ትፅቢት ከም ዝግበረሉ ዝተገለፀ እንትኸውን ተጠቀምቲ እቲ ፕሮግራም ድማ 900 ሽሕ ዶላር ብምውፃእ ተሳተፍቲ ከም ዝኾኑ ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ኣይፋድ ኣፍሊጡ።

በቲ ፕሮግራም ተጠቀምቲ ዝኾኑ ዜጋታት ካብ ዝበፅሖም ጉድኣት ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘድሕን ፕሮጀክት ከምዝኾነን ኣብ ኣተሓሕዛ ምህርቲ ምግቢ ትምህርቲ ብምሃብ ኩነታት ሰነ ምግቢ ኣብ ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ከም ዝውዕልን እውን ተገሊፁ ኣሎ።