ሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ናብ ሃገራት ኣፍሪካ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከሳልጡ እዮም

መቐለ 05 ጥሪ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ናብ ኣፍሪካ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከም ዘሳልጡ ተሓቢሩ።

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ተሓጋጋዚ ፀሓፊ ጉዳያት ኣፍሪካ ቲቦር ናጊይ ናብ ሃገራት ማእኸላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪካ ፣ ኢትዮጵያ ፣ኬንያ ፣ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ካብ 15 ክሳብ 29 ጥሪ 2020 ዓ/ም/ፈ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከም ዘሳልጡ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ናጊይ ኣብ እዋን ዑደቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስትን ኣመራርሓ ዓለም ለኸ ትካላትን ብምርካብ ከም ዘዘራርቡ ድማ ተገሊፁ ኣሎ።

ናጊይ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝገብርዎ ዑደት ግና ብዙሕ ዝተረጋገፀ ነገር ከም ዘየለ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

እቶም ዲፕሎማት ኣብ ኣፍሪካ ዝገብርዎ ዑደት ምስ ዛዘሙ ናብ ፈረንሳይ ከም ዘቕንዑ ድማ ንምፍላጥ ተካኢሉ ኣሎ።

ዑደት እቶም ዲፕሎማት ኣብ መንጎ ኣፍሪካን ኣሜሪካን ዘሎ ርክብ ንምጥንኻርን ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ህሉው ኩነታት ፀጥታ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምስግጋርን ዝዓለመ ምዃኑ ተፈሊጢ ኣሎ።