ስዑድ ዓረብ ኣብ ዞባ ማእኸላይ ምብራቕ ቁፅሪ ወታሃደራት ኣሜሪካ ንክውስኽ 1 ቢልዮን ዶላር ከፊሉ

መቐለ 05 ጥሪ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ስዑድ ዓረብ ቁፅሪ ወታሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ንክውስኽ 1 ቢልዮን ዶላር ንኣሜሪካ ከም ዝኸፈለት ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከምዝበልዎ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ቁፅሪ ወታሃደራት ኣሜሪካ ንክውስኽ ስዑድ ዓረብ ንኣሜሪካ 1 ቢልዮን ዶላር ክትኸፍል ከም ዝተገበረን እዚ እውን ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ንዘሎ ወጥሪ ንምዝሕሓል ከም ዝኾነን ሓቢሮም።

ዶናልድ ትራምፕ ምስ ቴሌቪዥን ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከም ዝገለፅዎ ኣሜሪካ ምስ ስዑድ ዓረብ ፅቡቕ ርክብ ከም ዘለዋን ነዚ ድማ እዩ ስዑድ ዓረብ ቁፅሪ ወታሃደራት ኣብቲ ዞባ ክውስኽን ነቲ ከባቢ ከረጋግዕን ዕላማ ብምግባር 1 ቢልዮን ዶላር ዝኸፈለት ኢሎም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ፔንታጎን 3 ሽሕ ተወሰኽቲ ወታሃደራት ኣብቲ ዞባ ንክምደቡ ከም ዘፅደቐን ዝተፈላለዩ ወታሃደራዊ ኣፅዋራት እውን ንስዑድ ዓረብ ከም ዝተውሃበን ዘዘኻኸሩ ዶናልድ ትራምፕ እዚ እውን ኣብታ ሃገር ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዓብይ ትካል መፃራይ ነዳዲ ኣራምኮ ጥቕዓት ምፍፃሙ ስዒቡ ከም ዝኾነን ሓቢሮም።
ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ተወሰኽቲ ወታሃደራትን ሓገዝ ወታሃደራዊ ኣፅዋርን ኣብ ዝደልያሉ እዋን ንኣሜሪካ ገንዘብ ክኸፍላ ከም ዝግበር እውን ትራምፕ ሓቢሮም።

ይኹን እምበር ትራምፕ ንገዛእ ወታሃደራቱ ብገንዘብ ይሽይጥ ከም ዘሎን እዚ እውን ኣብ ልዕሊ ወታሃደራት ኣሜሪካ ካብ ዘለዎ ንዕቐት ዝብገስ ከም ዝኾነን እዩ ፖለቲከኛታት ኣሜሪካ ዝገልፁ ዘለዉ።