መሰረተ ልምዓት ብምስፋሕ ግልጋሎት ንክህቡ ግብሪ ብእዋኑ ክኸፈል ይግባእ ተባሂሉ…

መቐለ 04 ጥሪ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ከተማ መቐለ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ኣብ እዋኖም ተዛዚሞም ግልጋሎት ንክጅምሩ ካብ ግብሪ ክእከብ ዝግባእ ገንዘብ ብእዋኑ ክኽፈል ምምሕዳር ከተማ መቐለ ፀዊዑ፡፡

ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኢንጅነር ኣርኣያ ግርማይ ኣብታ ከተማ ኣብዚ ዓመት 65 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ መንገድታት ኣስፓልት ብልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር በጀት ብፅሬትን ሰሌጠንን ይሳለጡ ከም ዘለዉን እዚኦም ቐልጢፎም ግልጋሎት ንክጅምሩ ነጋዶ ግብሪ ብእዋኖም ክኸፍሉ ፀዊዖም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብታ ከተማ ዛጊድ መሰረተ ልምዓት መብራህትን ማይን ዘይተዘርገሐሎም ጣብያታት ንምምላእን ኣብ 14 ኣብያተ ትምህርቲ ዘለዎ መምሀሪ ክፍልታት ዳስ ናብ ስሩዕ ህንፃ ንምቕያርን መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎን ካብ ግብሪ ዝእከብ ገንዘብ እዚኦም ቐልጢፎም ክዛዘሙ ወሳኒ ምዃኑ እቶም ኢንጅነር ሓቢሮም፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ካብ ዝኾኑ ነጋዶን ካልኦት መድረግቲ ኣካላትን ኣብ ከተማ መቐለ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ መንገዲ ኣስፓልት ከም ዘሐጐስዎም ካብኦም ትፅቢት ዝግባር ግብሪ ድማ ብእዋኖም ከምዝኽፈሉን ተዛሪቦም