ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ሕጋዊ ፍቓድ ክረኽቡ እዩ ተባሂሉ…

መቐለ 04 ጥሪ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ተኸቢሮም ክነብሩ ዘኽእሎም ሕጋዊ ፍቓድ ከምዝወሃቦም ተገሊፁ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎስ ጉዳይ ኢትዮጵያውያን ብዝምልከት ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝምራሕ ኮሚቴ ኣጣይሾም ጉዳይ ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ብዝተፈለየ መንገዲ ንምርኣይ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስዱ ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ተጓዒዞም ምስ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎስ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝዘተዩ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ካብዚ እቲ ሓደ ድማ ኢትዮጵያውያን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ክረኽቡ ብዘዘተይዎ መሰረት ተቐባልነት ከምዝረኸበ እዩ ተመልኪቱ ዘሎ።