ሰብ ሃፍቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ተንቀሳቒሶም ንከይሰርሑ ስግኣት ድሕንነት ከምዘሎ ተገሊፁ…

መቐለ 04 ጥሪ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ሰብ ሃፍቲ ውልቀ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ተንቀሳቂሶምን ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ተጠቒሞምን ሃፍቶም ከዋፍሩን ብሰላም ክሰርሑን ዝለዓለ ስግኣት ድሕንነት ገጢምዎም ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣብ ዘፈር ዓውደ ውልቀን ኢንቨስትመንትን ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዝተፈላለዩ ሰብ ሃፍቲ ከምዝበልዎ ኢንቨስተራት ሃገርና ይኹን ወፃኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ብዘይ ስግኣትን ውሕስናን ሃፍቶም ዝዋፈሩን ክሰርሑን ዘኽእል ኩነታት ሰላምን ድሕንነትን ኢሉ እውን ውሕስና መንግስቲ ክረኽቡ ይግባእ ተባሂሉ።

ብዜካ እዚ ናብ ዓውደ ውልቐ ዘሎ ማሕንቆ ኣሰራርሓ ድማ ዓውደ ኢኮኖሚ ውልቐ ዝለዓለ መሪሕነት ዝይሕዝ ዝገብር ምዃኑ ተገሊፁ።

ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ዘሎ ፀገም ሰላምን ፀጥታን ኢሉ እውን ስርዓት ኣልበኝነት ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን መዋእለ ንዋዮም ከዋፈሩ ስግኣት ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ድሕንነትን ውሕስናን ዝርኽብሉ ዕድል ብዘይምህላዉ ዝኸፍአ ፀገም ይፍጥር ከምዘሎ ገሊፆም ክብል ኢዜኣ ፀብፂቡ።