ተናሓናሕቲ ሓይልታት ሊብያ ስምምዕ ምቁራፅ ቶኹሲ ክፈራረሙ እዮም ተባሂሉ….

መቐለ 04 ጥሪ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ተናሓናሕቲ ሓይልታት ሊብያ ስምምዕነት ምቑራፅ ቶኹሲ ኣብ ሞሰኮ ክፍርሙ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሑ ተገሊፁ።

ንላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ፀሪሑ ኣልጀዚራ ከምዝፀብፀቦ እቲ ኣብ መንጎ ተናሓናሕቲ ሓይልታት ሊብያ ክፍረም ተሓሲቡ ዘሎ ስምምዕ ምቑራፅ ቶኹሲ ኣብ ትሪፖሊ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ዝቐፀለ ኩናት ጠጠው ንምባልን ናብ ዘተ ሰላም ንምምፃእን ዝሕግዝ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ሎሚ ሰኒ 13 ጥሪ 2020 ዓ.ም.ፈ ክፍረም ትፅቢት ዝግበረሉ ዘሎ ስምምዕ ምቑራፅ ቶኹሲ ሓይልታት ሊብያ ፖለቲካዊ ቕልውላው እታ ሃገር ኣብ ምፍታሕ ካብ ዘለዎ ረብሓ ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዝተርኣየ ኢድ ኣእታውነት ሓይልታት ወፃኢ ድማ ዘትርፍ እዩ።

ብዕቑር ሃፍቲ ነዳዲ ዝማዕበለት ሰሜን ኣፍሪካዊት ሃገር ሊብያ ድሕሪ ኣብ 2011 ዓ.ም.ፈ ብዝተልዓለ ህዝባዊ ዓመፅን ሞት ነበር መራሒን መሓመድ ጋዳፍን ኣብ ዝኸፍአ ፀገም ሰላምን ምርግጋዕን ከም ዘላ ፀብፃባት ይገልፁ።