እንግሊዝ ዜጋታታ ናብ ኬንያ ከይጓዓዙ ኣተሓሳሲባ…

መቐለ 04 ጥሪ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) እንግሊዝ ዜጋታታት እታ ሃገር ናብ ኬንያ ካብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ክቁጠቡ ኣተሓሳሲባ።

እንግሊዝ ዜጋታታት እታ ሃገር ናብ ኬንያ ካብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ክቁጠቡ ዝተሓሳሰበት ድማ ኣብ ኬንያ ተግባር ግብረ ሽበራ ክፍፀም ዘኽእሉ ምንቅስቓሳት ከም ዘለዉ ሓበሬታ ሰለዘለዉ ምዃኑ CGTN ኣፍሪካ ፀብፂቡ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እንግሊዝ ከምዝገለፆ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሶማልያ ዝንቐሳቐስ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ብፍላይ ኣብ በረኽቲ ገማግም ባሕሪ፣መዋሰኒ ከባቢታት ኬንያን ሶማልያን ኢሉ እውን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኬንያ ተግባር ግብረ ሽበራ ንምፍፃም ዘኽእሎ ምድላው ይገብር ኣሎ።

ብፍላይ እቶም ኣሸበርቲ ኣብታ ሃገር ንዝኣተዉ በፃሕቲ ዓዲ ትኹረት ጌሮም ተግባር መጭወይቲን ቅትለትን ካልኦትን ከይፍፅሙ ዘሰግእ ብምዃኑ ዜጋታት ካብዚ ዝገብርዎ ጉዕዞ ክቁጠቡ መንግስቲ እንግሊዝ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።